---

News feed

May 18th, 2025 posted by: admin

Adwa Town PR Office

ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2017ዓ/ም ንዝወሃብ ብሄራውን ሃገራውን ፈተና ቅድመ ምድላው ከም ዝወደአ ገሊፁ።

‎እዚ ዝተገለፀ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2017ዓ/ም ንዝወሃብ ብሄራውን ሃገራውን ፈተና ምዝዛም ቕድመ ምድላው ዝምልከት ኣብ ዝተዳለዎ መድርኽ ምይይጥ ምዃኑ ተሓቢሩ።

‎አብቲ መድርኽ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ዝኾኑ መምህር ገብረስላሴ ብርሃነ ከምዝገለፅዎ ከም ከተማ ዓድዋ ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2017 ዓ/ም 1,405 ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ ከምእውን 1,771ተምሃሮ 12ክፍሊ ዝፍተኑ እንትኾኑ እቶም ተምሃሮ ብስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር እናተምሃሩ ዝፀንሑ ኮይኖም ሐዚ ሙሉእ መፅሓፍቲ ተሸፊኖም ናይ መጠናኸሪ ትምህርቲ በቢኣብያቱ ትምህርቱ ምሃብ ከም ዝተጀመረን ብብርኪ ከተማ ጣብያን ኣብያተ ትምህርትን ሓይሊ ዕማም ፈተና ተዳልዩ ከምዘሎ ገሊፆም።

‎ ቐፂሎም ዝተዛረቡ ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ዝኾኑ ተገዳላይ ተስፋይ ገብረ ወልድ ከምዝገለፅዎ ትምህርቲ መሰረት ምዕባለ ሃገር ምዃኑ ይእመን። በዚ መሰረት ኣብ ከተማና ዝነበረ ስራሕቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብፍላይ ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2017 ዓ/ም ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ ከምእውን ተምሃሮ 12ክፍሊ ትምህርቶም ዛዚሞም ናብ ፈተና ዝዳለውሉ ብርኪ ስለዝበፅሑ ዝኾነ ተምሃራይ ይኹን ክፍተን ዝግብኦ ተምሃራይ ከይተፈተነ ክተርፍ ስለ ዘይግብኦ ርእሰ መማሃራን ፅፉፍ መረዳእታ ብምሓዝ ዝድለ ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ንተምሃርኦም ክገብሩ ፀዊዖም።ከም ምምሕዳር ዘድሊ በጀት ንምሽፋን ድልዊ ከም ዝኾነ ውን እቶም ከንቲባ ሓቢሮም።

‎ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ መድርኽ ርእሰ መማህራን፣ኣማራርሓ ትምህርትን ሓይሊ ዕማም ፈተና ዝተሳተፍ ኮይኖም ርኢቶታትን ሕቶታት ዝቐረበ ኮይኑ ምላሽ ብምሃብ ተዛዚሙ።

‎ፍልፍል:-

ሓበሬታን ርክብን ከተማ ዓድዋ

‎ግንቦት ፦8/9/2017 ዓ/ም

source

Conditions of Queen Sheba School

Here is the IDP Settlement at the new unfinished construction Queen Sheba High school

Here is an update on what Queen Sheba International sent; the Rachel computer based education project in action in Queen Sheba High school Adwa.

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ሰላም! እቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንግሥተ ሳባ ዘሎ ጸገማት ቪድዮን ብስእልን ከም እትርእይዎ እዩ። ስለዙይ ድማ ናይ ኩልና ጻዕርን ምትሕብባርን እዩ ዘድሊ። ነቱ ነቒዑ ዘሎ መንደቕን መሰረትን ብህጹጽ እንተ ዘይትዓርዩ፣ ዝናብ ክረምቲ ዝገደደ ዕንወት ከይገብሮ ንጓየይ። ንመዐሩይኡ ናብ $4,000 ወገን ተገሚቱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊኡ፣ እታ ዝሰደድናያ ራቸል ኮምፕዩተር ንኣርብዓ ተምሃሮ ተግልግል ኣላ፣ ይኹን ድኣ እምበር ክልተ ወይ ሠለስተ፣ እንተኽኢልናውን ካብኡ ንላዕሊ እንተንሰድድ ዝበለጸ ይኸውን። ንሓንቲ ራቼል ናብ $5,250 ኢና ኣውጺእና። ስለዙይ ካብ $15,000 – $20,000 የድሊ ኣሎ። ግን ሓምሳ ለሚን ንሓምሳ ሰብ ከም ዝብሃል፣ እቱ ሸኽሚ ንኹልና ቅልል ምእንቲ ክብለልና፣ ንእንፈልጦም ምሓዙትን ቤተሰብን ክትሓባበሩና ናብ እዙይ ዋትስኣፕ (WhatsApp) ነእትዎም። ቁጽርና ብዝሕ ይበል።